Tigrinya - ADRA Share & Care

Samen delen, samen zorgen

ኣድራ ሓላፍነትን ምትሕግጋዝን

ኣድራ (www.adra.nl) ንኣብ ኩሉ ኩርናዓት ዓለምና ዝርከብ ጽጉም ህዝቢ ዝሕግዝ፡ ዓለምለኻዊ ምዕቡል ውዱባዊ ትካልአዩ።
ኣድራ ሓላፍነትን ምትሕግጋዝን ኣብ ኔዘርላንድ ኮይኑ እዩ ዝሰርሕ። ኣብ ውሽጢ Huis ter Heide (Zeist) – (ሃውስ ተር ሃይድ (ዛይስት) ) ዝተባህለ ቦታ እዩ። ኣብ ሕበረሰብና ዝተፈላለየ ንጥፈታት ኢና ነካይድ። ሰባት ንሕድሕዶም ንክተሓጋገዙን ንክመሃሩን እጃሞም ንኸበርክቱን ክንረኽቦምንደሊ።
ክትሳተፉ ምስ ኣትደልዩ ዕዱማት ሰለዝኾንኩም ብደሓንምጹ። በጅኹም ብኽብረትክም ብጽሑና። ንዚያዳ ወይ ንተወሳኺ ሓብሬታ ቴለፎን ክትድውሉልና ወይ ኢመይል ክትሰዱልና ንላቦ።

ሰሙናዊ ንጥፈታትና፥

ናይ ጥዕና መምርሕን ጭንቀት ኣእምሮ ምጉዳልን።

ነፍሲ ወከፍ ሶኒ፡ ካብ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ - 12፡00 ቀ

ብጥዕና ንኽንጸንሕ እንታይ ክንገብር የድልየና? ብዛዕባ ኣእምሮኣዊ ጥዕናን ጭንቀት ምጉዳልን ዝብል ዛዕባ ክንዘራረብ ኢና። ክልእ ጥዕናኣዊ መግቢ ከመይ ምኻኑ ክትጥዕሙን ኣብ ደገ ዝግበር ዝተፈላለየ ንጥፈታት ከም ምንቅስቓስ ኣካላትን ጉዑዞ እግርን ዚኣምሰሉ ንጥዕናን ጠቀምቲ ዝኾኑ ምልምማድ ክንገብር ኢና።

ምትሕግጋዝ ናይ ኣቅሓ።

ነፍሲ ወከፍ ሮቡዕ፣ካብ ሰዓት 10፡00 ቅ/ቀ - 12፡00 ቀ

ምጹና እሞ ንዓኹም ዝኸውን ክዳውንቲ ረአዩ፣ ተዛናግዑን ካልእ ዝተፈለይ ካልኣይ ኢድ ኣቕሓ ብሕሱር ወይ ዝተሓተ ውጋ ኣሎ። ዝኾነዓይት ባኣታ ውይ ንብረት ዘይትጥቀሙሉ እንተደኣ ኣለኩም ኮይኑ ናባና ክተምጽእዎ ትኽእሉ ኢኹም።

ቤት ዕዮን ምህዞን።

ነፍሲ ወከፍ ሮቡዕ ካብ ሰዓት 14፡00 ድ/ ቀ-16፡00 ድ/ቀ

ጽብቕ ስነጥበባዊ ስራሕት ንሰርሕ ኢና። ናይ ክዳውንቲ ስፈይት ስራሕ ክነካይድ ኢና፣ ምቅባኣን ካልእ ፍሉይ ስነጥበባዊ ንጥፈታትውን ምስኡ።

ትምህርቲ ምኽሻን መግብን ብሓንሳብ ምምጋብን።

ነፍሲ ወከፍ ሓሙስ፣ ካብ ሰዓት 11፡30 ቅ/ቀ-14፡00 ድ/ቀ

ጥዕናዊ ዝኾነ መግቢ ክንክሽን ኢና፣ ጥዑምን ሕሱርን እዩ እሞ ብሓደ ኮይና ድማ ክንምገቦ ኢና።

ትምህርቲ ቓንቓ ኔዘርላንድ (ዳች)

ብተኸታትሊ ዓርቢ, 10፥00 ቅ/ቀ-12፥00 ድ/ቀ

ቓንቓ ኔዘርላንድ ናይ ምዝራብን ምንባብን ምጽሓፍን ክእለትካ/ኪ ብምልምማድ ክተማዕብልዎ ትደልዩ ዶ? እምበር ብነጻ ሓገዝ ክንሕግዘኩም ንደሊ። ስለዚ ምስ ኣሰልጣኒኹም ንምልላይ ክትበጽሑና ድለት እንተ ኣለኩም ብደሓን ምጹ። ቓንቓ ኔዘርላንድ ንምምሕያሽ ክሕግዘኩም ዝኽእል ናይ ጸውታ ዝተፈላለይ ንጥፈታት ኣሎና።

መጺእኩም ምሳና ትዘራረብሉ ናይ ዝስተን ምሳሕን ግዜ።

ነፍሲ ወከፍ ሶኒን ሮቡዕን ካብ ሰዓት 8፡00 ቅ/ ቀ-13፡00 ድ/ቀ

ምእንታን ክንላለ ብሰላም ክትመጹና ብኣኽብሮት ክንዕድመኩም ንፈቱ።ሓሳባትኩምን ታሪኻዊ ድሕረ ባይታኽምን ክንሰምዕ ንፈቱ። ዝስተን ዝብላዕን ከኣ ብዝሓሰረን ዝተሓተን ዋጋ ክነአንግደኩም ኢና።ምቹእን ዝበለጸን ምስ ሰባት ክንራኸበሉ ንኽእል ኣጋጣሚ እዩ።

ርኸቡናን ብጽሑናን።

ንዚያዳ ወይ ተውሳኺ ሓብሬታ ብጹሑና፣ ወይ መልእኽቲ ( ጸሓፉልና) ወይ ቴሌፎን ደዉሉልና፣

lydia@adrasharecare.nl
06 – 497 142 94

ኣድራሻና

ትካል ኣድራ ሓላፍነትን ምትሕግጋዝን

ADRA Share & Care-gebouw
Prins Alexanderweg 1d
3712 AD  Huis ter Heide (Zeist)

Jouw hulp is welkom!

Bij ADRA Share & Care kunnen we jouw ondersteuning goed gebruiken. Benieuwd hoe je kunt helpen om ons project nog mooier te maken?